ትሕዝቶታት መበል 11 ጉባኤ ህ.ወ.ሓ.ት

1.  ሓደሽቲ ተመረፅቲ ኣባላት ፖሊት ቢሮን ማ/ኮሚቴን ህ.ወሓት

2.  ተሰናበቲ ኽብሪ ነባራት ኣመራርሓ ህወሓት

3.  ደምዳሚ መግለፂ ጉባኤ ህወሓት

 

 

ኣብ መበል 11 ጉባኤ ህ.ወ.ሓ.ት ዝተመረፁ 45 ኣባላት

ፖሊት ቢሮን ማእከላይ ኮሚቴን ህ.ወ.ሓ.ት

1.  ኣባይ ወልዱ፣  ኣቦ መንበር                  25. ተ/ወይኒ ኣሰፋ፣  ኣባል ማ/ኮሚቴ

2.  ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፣ ም/ኣቦመንበር     26. ነጋ በርሀ፣                   “

3.  ቴድሮስ ሓጎስ፣ ኣባል ፖሊት ቢሮ            27. ቅዱሳን ነጋ፣           “

4.  ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣     “               28. ሓዱሽ ዘነበ፣            “

5.  ኣዜብ መስፍን፣                  “                29. ተስፋዓለም ይሕደጎ፣    “

6.  በየነ መኩሩ፣               “                30. ተወልደ ገ/ፃድቃን፣     “

7.  ትርፉ ኪ/ማርያም፣          “                31. ይትባረክ ኣመሃ፣             “

8.  ኣለም ገ/ዋህድ፣             “                32. እያሱ ተስፋይ፣        “

9.  ገ/መስቀል ታረቀ፣          “                  33. ብርሃነ ኪዳነማርያም፣       “

10. ኣባይ ፀሃየ፣       ኣባል ማ/ኮሚቴ                 34.ሓጎስ ጎዲፋይ፣ ኣባል ማ/ኮ፣ ሓዱሽ

11. ፈትለወርቅ ገ/ሄር፣           “                  35. ያለም ፀጋይ፣          “

12. ኪሮስ ቢተው፣        “               36. ዶ/ር ክንደያ ገ/ሂወት፣     “

13. ኣስመላሽ ወ/ስላሴ፣          “               37. ኣረጋሽ በየነ፣              “

14. ሚኪኤለ ኣብርሃ፣            “                 38. ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ፣      “

15. ሮማን ገ/ስላሴ፣              “               39. ብርሃነ ፅጋብ፣              “

16. ዶ/ር ኣዲስኣለም ባሌማ፣     “                  40. ሃይለ ኣስፈሃ፣            “

17. ጎበዛይ ወ/ኣረጋይ፣           “               41. ኬይርያ ኢብራሂም፣        “

18. ጥላሁን ታረቀ፣              “               42. ጎይቶኦም ይብራህ፣         “

19. ተወልደ በርሀ፣              “               43. ሃፍቱ ሓዱሽ፣             “

20. ጌታቸው ኣሰፋ፣             “               44. ተወልደብርሃን ተስፋኣለም፣   ”

21. ፀጋይ በርሀ፣                “               45. ዶ/ር ገ/ሂወት ገ/እግዚኣብሄር፣ “

22. ዳንኤል ኣሰፋ፣        “

23. ኢሳያስ ወ/ጅወርግስ፣         “

24. ኣባዲ ዘሞ፣                 “

ሓበሬታ፡-   ካብ 1-9, ኣባላት ፖሊት ቢሮ

       ካብ 10-45, ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ

              (ካብ 34 – 45 ሓደሽቲ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ)

 

 

ካብ መሪሕነት ህ.ወ.ሓ.ት ብኽብሪ ዝተሰናበቱ ኣባላት

1.  ስዩም መስፍን

2.  ዘርኣይ ኣስገዶም

3.  ኣርከበ ዕቑባይ

4.  ብርሃነ ገ/ኽርስቶስ

5.  መሰረት ገ/ማርያም

6.  ንጉሰ ገብረ

7.  ደስታ በዛብህ

8.  መንግስትኣብ ገ/ኪዳን

9.  ሕሸ ለማ

 

መግለፂ ቅዋም መበል 11 ጉባኤ ህወሓት

I.      መእተዊ

ሎሚ መበል 11 ጉባኤ ህወሓት ዝተኻየደ ንሕሉፋት ጉባኤታትና ዝመርሕ ዝነበረ ብሉፅ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ብኣካል ምሳና ኣብዘይተረኸበሉ’ዩ፡፡ ይኹን’ምበር እዚ ውፉይን ጅግናን ተጋዳላይ መራሒናን ብፃይናን መለስ በቲ መሪሕ ህዝባዊ ስራሕቱ ትማሊ፣ ሎሚን ንወትሩን ኣብ ውሽጥናን ምሳናን’ዩ፡፡

ሎሚ መበል 11 ጉባኤ ህወሓት እንትነካይድ ዕድመ ልክዑ ንፃት’ውን እንተኾነ ካብ ቃልስን ህዝብን ከይተፈለየ መስመርና ወያናይ ዴሞክራሲ እናፀረየን ውድብና ብቐፃልነት እናተሃደሰን ንክኸይድ ዘይትካእ ተራ ዝነበሮ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ህያውነቱ ቀፃላይ ከምዝኾነ እናረጋገፅና ኢና ንዝክሮ ዘለና፡፡

ዘይእዋናውን ሃንደበታውን መስዋእቲ ብፃይ መለስ መዓንጣና’ኳ እንተሕረሮ መስዋእቱ ብዝፈጠሮ ህዝባዊ ማዕበል ተፀናኒዕና ኢና፡፡ ንሱ ብኣካል’ኳ እንተተፈለየና መስመሩ ቀፃሊ’ዩ፡፡ መስመሩ ዝሓዘ ህዝቢ’ሎ፡፡ ቀፃሊ’ዩ፡፡ መስመሩ ዝሓዘ ኣመራርሓ ኣለና ቀፃሊ’ዩ፡፡ ስለዚ መስመር መለስ/ህወሓት ምዕትዓት’ዩ እቲ ውሕስና፡፡ ምእንተ ዝኽሪ መለስ ድማ’ዩ መበል 11 ጉባኤና - ጉባኤ መለስ ንዕብየትን ዝላን ተባሂሉ ዝተሰየመ፡፡ መለስ ህያው’ዩ! መለስ ህያው መራሒ ጉባኤና’ዩ! ንብል ዘለና’ውን ብዝገደፈልና መስመርን ሓሳባቱን’ዩ፡፡

በቲ ካልእ ገፅ ድማ እዚ ጉባኤና ብብሉፅ ኣመራርሓ ተጋዳላይ መለስን ብተግባራዊ ርብርብ ህዝብናን መላእ ኣባልናን ብኹለመዳይ ዕብየትን ዝላን ዘረጋግፅ ዝበለፀ ውፅኢት ኣብዘመዝገብናሉ መድረኽ ዝተኻየደ ምዃኑ ታሪኻዊ ይገብሮ፡፡

 

 

II.     መበል 11 ጉባኤና ዝዘተየሎም ሓፈሻዊ ዛዕባታት

ጉባኤተኛ ተጋዳላይ መለስ ሕዚ’ውን ብሓሳባቱን መስመሩን ህያው መራሒኡ ከምዝኾነ ኣሚኑ ካብ 8-12 መጋቢት ንተኸታተልቲ 4 መዓልቲታት ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ዘካየዶ መበል 11 ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ኣርባዕተ ዛዕባታት ሪኡ’ዩ፡፡

1.  ዝኽረ ተጋዳላይ መለስ ዝምልከት ብማእከላይ ኮሚቴ ዝቐረበ ፅሑፍ፤

2.  ካብ ኣብ 10 ውድባዊ ጉባኤ ዝፀደቐ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ዕቤትን ስግግርን ዝርዝር ኣፈፃፅማ መደባት ሕሉፍ ክልተ ዓመትን ፈረቓን፣ መደባት ዕቤትን ስግግርን ቀፃሊ ክልተ ዓመትን ፈረቓን መፈፀሚ ኣንፈታቱን ዘካተተ ፀብፃብ ማእከላይ ኮሚቴ፤

3.  ፀብፃብ ማእከላይ ኮምሽን ቁፅፅር ህወሓት፤

4.  መረፃ ማእከላይ ኮሚቴን ኣባላት ኮምሽን ቁፅፅርን፤

 

 

III. መበል 11 ጉባኤና ዝዘተየሎም ቀንዲ ዝርዝር ዛዕባታት

3.1  ዝኽሪ ተጋዳላይ መለስ ኣመልኪቱ ብማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ዝቐረበ ፅሑፍ ተመያይጡ ኣፅዲቑ’ዩ፡፡

ዕላማ’ቲ ፅሑፍ ህዝብና ካብ ድኽነትን ድሕረትን ንክናገፍ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ዝተቓለሰ ወዲ ህዝቢ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ሓድግታቱ ኩሉ ክርድኦ ብምግባር ጉዕዞ ህዳሰና ንምስላጥ ክረባረብ ንምግባር’ዩ፡፡

ብመሰረት’ዚ መለስ ፖለቲካዊ ስትራቴጂስት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ፤ መለስ ህዝቢ ትግራይ ክሓልፈሉ ግቡእን ብቑዕን ኣመራርሓ ዝሃበ ምዃኑ፤ መለስ ፖለቲካውን ወታሃደራውን ስትራቴጂስት ወያነ ኢትዮጵያ ምዃኑ፤ መለስ መሃንዲስ ህዳሰ ኢትዮጵያን ሓበን መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያን ምዃኑ፤ መለስ ክልስ ሓሳብ ዴሞክራሲያውን ልምዓታውን መንግስቲ ዘማዕበለ ምዃኑ፤ ኮታስ ብሓፂሩ መለስ ካብ ትግራይን ኢትዮጵያን ሓሊፉ ንኣፍሪካን ዓለምን ስሙይን ብቑዕን መራሒ ምዃኑን ካብቶም ኣብ ፍሉይ መዋእል ዝርኣዩ ውሑዳት መራሕቲ ሓደ ምዃኑን ኣብ ሓደ ምርድዳእ ብምብፃሕ ነቲ ፅሑፍ ኣፅዲቕዎ’ዩ፡፡

3.2  ዝርዝር ኣፈፃፅማ መደባት ትልምን ስግግርን ሕሉፍ 2 ዓመትን ፈረቓን መደባትን መፈፀሚ ኣንፈታትን ቀፃሊ 2 ዓመትን ፈረቓን ኣብ ዝምልከት ፀብፃብ ማእከላይ ኮሚቴ ዘትዩን መርሚሩን ኣፅዲቑ’ዩ፡፡

     እቲ ፀብፃብ ማእከላይ ኮሚቴ ኣፈፃፅማ ህንፀት ሰራዊት ልምዓት፣ ኣፈፃፅማ ማሕበረ ቁጠባዊ መደባት፣ ኣፈፃፅማ ውሽጣዊ ውድባዊ ስራሕትን ቀፀልቲ መደባትን ኣንፈታትን ዘካተተ ኮይኑ ሰፊሕ ግዜ ተዋሂብዎ ዕሙቀት ዘለዎ ዘተ ተኻይድሉ’ዩ፡፡

     ብድምር ብብሉፅ ኣመራርሓ ተጋዳላይ መለስን ብተግባራዊ ርብርብ ህዝብናን መላእ ኣባልናን ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመትን ፈረቓን ብኹለመዳይ ዕብየትን ዝላን ዘረጋግፅ ዝበለፀ ውፅኢትን ዓወትን ከምዝተመዝገበ ተረጋጊፁ’ዩ፡፡ እቲ ዝተመዝገበ ዓወት በብዓውዲታቱ ብዝተወሰነ ንምግላፅ፤

3.2.1 ብመዳይ ቁልፊ መደብ ህንፀት ሰራዊት ልምዓት

     ህንፀት ሰራዊት ልምዓት ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ንናይ ምፍፃም ዓቕምና ምጉልባትን ዘይምጉልባትን ቁልፍን ወሳንን ጉዳይ ምዃኑ ብምግንዛብ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዝተገበረ ምርብራብ ብፍላይ ኣብ ግንባራት ገፀር ኣድማዒ ዝኾነ ስራሕ ተሰሪሑ ኣድማዒ ውፅኢት ከምዝተመዝገበን ኣብ ግንባራት ከተማ’ውን ዋላ ክንድ’ቲ ገፀር ኣይኹን ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ ሰራዊትነት ዘለውጥ ስራሕ ተሰሪሑ ኣብ ድርኩኺት ዓወት ከምእንርከብን ተረጋጊፁ’ሎ፡፡

     ብመሰረት’ዚ ኣብ ግንባራት ገፀር ማለት ሕርሻ፣ ጥዕናን ትምህርትን ብመሰረቱ ልምዓታዊ ሰራዊት ዝተሃነፀ እንትኾን ኣብ ግንባራት ከተማ ድማ ቁመና ሰራዊት ትምህርቲ ከምዝተፈጠረ፣ ሰራዊት ደኣንት ንምህናፅ ድርኩኺት ረጊፅና ከምዘለናን ኣብ ስቪል ሰርቫንት ሰራዊት ንምህናፅ ናብ ፅቡቕን ዓብይ ተስፋ ዝህብን ምንቅስቓስ ተኣትዩ ከምዘሎ ግልፂ ኮይኑ’ሎ፡፡

ከምኡ’ውን ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ዘለው ፀገማት ብዝግባእ ነፂሩ ንቕድሚት ዝወስዱ መፍትሒታት ከምዘቐመጠን ኣብዚ’ውን ሰራዊት ንምህናፅ ፍሉይ ጠመተ ተዋሂብዎ መደብ ወፂኡ ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ተኣትዩ ከምዘሎ ግልፂ ኮይኑ’ሎ፡፡

3.2.2 ኣፈፃፅማ ውሽጣዊ ውድባዊ መደባት

       ውድብና ህወሓት ሃለዋቱ ብቐፃልነት ንምርግጋፅን መስመራቱ ናብ ኩሉ ንምትእትታውን ምእንቲ ኣብ ዙርይኡ ዝዓስሉ ቁፅሪ ኣባላት ብቐፃልነት ክውስኽ ከምዘለዎን ከምዝግባእን ግልፂ’ዩ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመትን ፈረቓን ንምልመላ ኣባልነት ብዝተውሃቦ ቆላሕታን ብዝተሰርሐ ፅቡቕ ስራሕን ብፍላይ ኣብ ገፀር ምልመላ ኣባልነት ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ከምዝርከብ ተረጋጊፁ’ሎ፡፡ ኣብ ከተማ’ውን ዋላ’ኳ ክንድ’ቲ ገፀር ኣይኹን ዝተጀማመረ ነገር ከምዘሎን ኣጠናኺርካ ምቕፃል ከምዘድልን ግልፂ ኮይኑ’ሎ፡፡

     ብዘይካ’ዚ ብቕዓት ማእኸላይን ላዕለዋይን ኣመራርሓ ህወሓት ንምዕባይ ብዝተገበረ ፃዕሪ ኩሉ ላዕለዋይ ኣመራርሓን ዝበዝሕ ማእኸላይ ኣመራርሓን ብብርኪ ኢህወደግ ኣብ ዝተውሃበ ስልጠና ክስልጥን ብምግባር ብቕዓቱ ክዓብን ኣፈፃፅማ ስርሑ ከመሓይሽን ከምዝገበረ ዝተሓበረ ኮይኑ እዚ ስልጠና ብፍላይ ኣብ ታሕተዋይ ፀፍሒ ንዘሎ ኣመራርሓ ብብርኪ ክልልን ህወሓትን ዝወሃብ ስልጠና ንቕድሚት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣመልኪቱ’ሎ፡፡ 

     ከምኡ’ውን መስርሕ ምትኽኻእ ኣብ ሓደ ሂወት ዘለዎ ውድብ ዘሎን ክህሉ ዝግባእን ምዃኑ ዝኣምን ህወሓት ቅድም ክብል ንዘቐመጦ መስርሕ ምትኽኻእ መሰረት ብምግባር ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመትን ፈረቓን ኣድማዒ ስራሕ ከምዝሰርሐ ተረጋጊፁ’ሎ፡፡

     ብመሰረት’ዚ ምትኽኻእ በብብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ ብፍላይ ኣብ ፀፍሒ ታሕተዋይን ማእኸላይን ኣመራርሓ ብዝተቐመጠሉ ኣንፈትን ስልጠትን ብፅቡቕን ብዓወትን ከምዝተኻየደ ተረጋጊፁ’ሎ፡፡

     ኣብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዘሎ ምትኽኻእ’ውን እንተኾነ ዋላ’ኳ ዝንግዕ ኢሉ እንተጀመረ ብመሰረቱ ግን ፅቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ ተረጋጊፁ’ዩ፡፡

     ኣብ መስርሕ ምትኽኻእ ንደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ጠመተ ምሃብ ባህሪ ውድብና ከም ምዃኑ ንደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣመራርሓ ንምምፃእ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣብ ታሕተዋይን ማእኸላይን ኣመራርሓ ዝሓሸ ቁፅሪ’ኳ እንተለወን ናብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣብ ምምፃእ ብኡ መጠን ጠንኪሩን ሰፊሑን ክኸይድ ከምዘለዎ ጉባኤና ሪኡ’ሎ፡፡

ብዘይካ’ዚ ጉባኤና ኣፈፃፅማ ዓበይቲ መደባት ልምዓት ገፀር፣ ልምዓት ከተማ፣ ተሳትፎን ተጠቃምነትን መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን፣ ማሕበራዊ መደባት፣ መሰረተ ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ብዝርዝር ሪኡን ዘትዩን ኣብዚ መዳይ ዘለው ምዕቡላትን ድኹማትን ጎንታት ብምንፃር ብሓደ ምርድዳእ ሓሊፍዎም’ዩ፡፡

መበል 11 ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ 2 ዓመትን ፈረቓን ኣብ ትግራይ ዘመዝገብናዮም ዓወታት መሰረት ብምግባር ኣብ ዝተረፈና 2 ዓመትን ፈረቓን ኣብ ገፀርን ከተማን ዝለዓለ ዓወት ንምዕታር ዘኽእሉ መሰረታዊ  መደባትን ኣንፈታትን ተመያይጡ ኣፅዲቑ’ዩ፡፡ 

ብድሕሪ’ዚ ፀብፃብ ኮምሽን ማእኸላይ ቁፅፅር ዘትዩ ዘፅደቐ እንትኾን ኣብ መወዳእታ ድማ ንዝቕፅሉ 2 ዓመታት ንውድብና ዝመርሑ መረፃ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ኣባላት ኮምሽን ቁፅፅርን ብግልፅን ዴሞክራሲያውን መንገዲ መሪፁን ዕላዊ ገይሩን’ዩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ዝስዕቡ ውሳነታት ኣሕሊፉ’ሎ፡፡

 

IV. ውሳነታት

ኣብ መበል 11 ጉባኤና ዝፀደቑ መደብን ኣንፈትን ዝቕፅሉ 2 ዓመትን ፈረቓን ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ንምዕዋት ንሕና ተሳተፍቲ መበል 11 ጉባኤ ህወሓት ዝስዕቡ ውሳነታት ኣሕሊፍና ኣለና፤

1.  ህንፀት ሰራዊት ልምዓት ኣብ ገፀርን ከተማን፣ ኣብ ዝተነፀራ ጉድለታት ትኹረት ብምሃብ ኩለን ግንባራት ናብ ተመጣጣኒ ብርኪ ብምብፃሕን ኩለን ኣካላትና ብመልክዕ ህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ክኸዳ ብምግባርን ናይ ምፍፃም ዓቕምና ምጉልባት ቁልፊን ወሳንን መደብና ምዃኑ ፈሊጥና ንተግባራውነቱ ብቑርፀኝነት ከምእንረባረብ ብስም መለሰን ኩሎም ስውኣትናን ቃል ንኣቱ፡፡

2.  ኣብ ገፀር ኽንክን ልምዓትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብፅርየትን ብስፍሓትን ብምጥንኻር፣ ነብሲ ወከፍ ሓረስታይ እንተነኣሰ ሓደ ባንኪ ማይ ክውንንን መስኖ ከሳልጥን ብምግባር ሕርሻዊ ፍርያት ትግራይ ብዕፅፊ ብምውሳኽን ውሕስነት ምግቢ ሙሉእ ንሙሉእ ንምርግጋፅን ከምእንረባረብ ብስም መለስን ኩሎም ስውኣትናን ቃል ንኣቱ፡፡

3.  ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ብምቕናስን ትምህርቲ ንኹሉ ብምብፃሕን ሽቶ ሚሊንየም ጥዕናን ትምህርትን ንምዕዋት ከምእንረባረብ ብስም መለስን ኩሎም ስውኣትናን ቃል ንኣቱ፡፡

4.  ኣብ ከተማ ትካላት ልምዓት ደቀቕትን ኣናእሽተይን ማእኸል ብምግባር ባህሊ ስራሕ ንምጉልባት፣ ስእነት ስራሕ ንምቅላልን ልምዓታውያን ሰብ ሃፍቲ ንምፍጣርን ከምእንረባረብ ብስም መለስን ኩሎም ስውኣትናን ቃል ንኣቱ፡፡

5.  ኣብ ገፀር ይኹን ከተማ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ልምዓት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ብዝበለፀ ተጠቀምቲ ክኾኑ ንምግባር ፍሉይ ጠመተ ሂብና ከምእንረባረብ ብስም መለስን ኩሎም ስውኣትናን ቃል ንኣቱ፡፡

6.  ምንጪ ኣካብነት ኪራይ ተባሂሎም ኣብ ዝተነፀሩ ዓውድታት ጠመተ ብምግባርን ንሰለስቲኦም ሓይልታት ኣወሃሂድካ ብምጥቃምን ነቲ ምንጪ ንምንፃፍን ሰናይ ምምሕዳር ንምንጋስን ኣበርቲዕና ከምእንረባረብ ብስም መለስን ኩሎም ስውኣትናን ቃል ንኣቱ፡፡

7.  ነፀብራቓት ዘይዲሞክራሲያዊ  ሃዋህው ዝኾኑ በለፅን ምክእኣልን ንልምዓታውን ዴሞክራሲያውን ስርዓትና ዘጉትሙ ምዃኖም ብምርዳእ ብትረትን ብዘይምሕረትን ከምእንቃለሶም ብስም መለስን ኩሎም ስውኣትናን ቃል ንኣቱ፡፡

8.  ስርዓት ምትኽኻእ ኣመራርሓ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ብዘረጋግፅ መንገዲ ውድብና ብዘቐመጦ ኣንፈት ብፅፈትን ስልጠትን ንምፍፃም  ከምእንረባረብ ብስም መለስን ኩሎም ስውኣትናን ቃል ንኣቱ፡፡

9.  መለስ ሕዚ’ውን ስነ-ሓሳባውን ፖለቲካውን መራሒና ከምዝኾነ ብምእማንን መስመራትን ሓሳባትን መለስ ምትግባር ማለት ህያውነት መለስ ምርግጋፅን ህወሓት ምጥንኻርን ማለት ምዃኑ ብምግንዛብን ሕድሩ ንዘይምዕባር ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ብቑርፀኝነት ከምእንረባረብ ቃል ንኣቱ፡፡

10.   ንብፃይናን መራሒናን ተጋዳላይ መለስ ዝምጥንን ዝዝክርን ብሽሙ ዝፅዋዕ ሓደ ነባሪ ነገር (Memorial) ክንፈጥር ወሲንና ኣለና፡፡

11.   ንብፃይናን መራሒናን ተጋዳላይ መለስ ንምዝካር መንግስቲ ፌደራል ንዘጣየሾ ሃገራዊ ፋውንዴሽን እናናኣድና ልኡኽ እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ምዕዋት እጃምና ንምፍፃም ድልዋት ኢና፡፡

12.   ሃገራዊ ግቡእና ኣብ ምፍፃም ብፍላይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ኣብ ምዕዋት ምስ ኣሓት ውድባት ኮይና ከምእንረባረብ ነረጋግፅ፡

 

·        ዝኸበርኩም መላእ ኣባላት ህወሓት

     መበል 11 ጉባኤኹም ህወሓት ንዝኽሪ ብሉፅ መራሒና ጉባኤ መለስ ንዕብየትን ዝላን ብዝብል ስያመ ብዓወት ተሳሊጡ’ሎ፡፡

     እዚ ጉባኤ ኩለመዳያዊ ምዕባለ ትግራይ ናብ ዝላ ዘሰጋግር ዓበይትን ሰፋሕትን መደባት ሓንፂፁ ኣፅዲቑ’ሎ፡፡ እዞም መደባት ኣብ ምፍፃም ናትኩም ግንባር ቀደም መሪሕነት ወሳኒ’ዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመትን ፈረቓን ዘመዝገብናዮ ዓወት ናትኩም ተሳትፎ ዝተሓወሶ’ዩ፡፡ ሕዚ’ውን ናይ ቀፀልቲ መደባት ንምዕዋት ናትኩም ተሳትፎ ወሳኒ’ዩ፡፡ ነቶም ሒዝናዮም ዘለና መደባት ምዕዋት ማለት ሕድሪ መለስ ምፍፃም’ዩ፡፡ ስለዚ ደበስ መለስን ኩሎም ስውኣትናን ልምዓት ምርግጋፅ’ዩ’ሞ ትልሚ ቀፀልቲ 2 ዓመትን ፈረቓን ብዓወት ንምዝዛም ውፍይነትኩም ኣሐይልኩም ክትረባረቡ መበል 11 ጉባኤ ህወሓት ይፅውዕ፡፡ ከም እትትግብርዎ ድማ ጥርጥር የለን፡፡

·        ዝኸበርካ መላእ ህዝቢ ትግራይ

     ውድብካ ህወሓት ኣቦ ድኻን ኣቦ ኩሉን ንዝኾነ ውላድካን ፍርያትካን ተጋዳላይ መለስ ብኣካል ኣብ ዘይብሉ መበል 11 ጉባኤኣ ኣካይዳ’ላ፡፡

     እዚ ዘሕዝን ታሪኻዊ ኣጋጣሚ’ኳ እንተኾነ ኣብ ፅባሕ መስዋእቲ መለስ ዘርኣኻዮ ህዝባዊ ማዕበልን ኣጆኹም ቀፅሉ ክንቅፅለሉ ኢና ኢልካ ብዘርኣኻና ፅንዓትን ፀኒዕና ኢና ነዚ ጉባኤ ኣካይድናዮ፡፡

     እዚ ጉባኤ ድማ ውላድካ ተጋዳላይ መለስ ሓንፂፁ ዝገደፎ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ኣበይ ከምዝበፅሐን እንታይ ከምዝተረፎን’ዩ ገምጊሙ፡፡ ብመሰረት’ዚ ብሳላ ናትካ ተሳትፎ ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመትን ፈረቓን ክስርሑ ዝተትሓዙ መደባት ብመሰረቱ ብዓወት’ዮም ተፈፂሞም፡፡

     ኣብ ቀፃሊ 2 ዓመትን ፈረቓን ክስርሑ ዝተትሓዙ መደባት ብዓወት ንምፍፃም ድማ ከምቲ እናገበርካዮ ዝመፃኻ ሕድሪ ውላድካ መለስ ንምፍፃም ብዝኣተኻዮ ቃል መሰረት ብዝለዓለ ሕራነ ክትረባረብ ጉባኤ ህወሓት ይፅውዕ፡፡ ከምእትገብሮ ድማ ንፃት’ውን ኣይጠራጠርን፡፡

·        ንኣሓት ውድባት ኢህወዴግን ኣጋር ውድባትን

ብፍላይ ኣሓት ውድባት ኣባላት ግንባር ኢህወዴግ ጉባኤኽን ተካይዳ ዘለኽን ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ተጋዳላይ መለስ ብኣካል ኣብ ዘየለሉ’ዩ፡፡ እዚ ፍፃመ’ዚ ንኹልና ኣሓት ውድባት ሓደ ዝገበረና ኣጋጣሚ’ዩ፡፡ ጉባኤኽን ድማ ንዝኽሪ መለስ ብዝፅምብል መሪሕ ሓሳብ ተካይዳ ከምዘለኽን ፈሊጥና ኣለና፡፡ መስዋእቲ ብሉፅ መራሒና መለስ ኣብ መላእ ኣሓት ውድባትን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ከቢድ ሓዘንን ማዕበላዊ ሕራነን ከምዝፈጠረ’ውን ዝዝከር’ዩ፡፡

እዚ ዘርእየና መስመር መለስ-ኢህወዴግ ፍቕሪ ህዝቢ ከምዝፈጠረን ናብ ነብሲ ወከፍ ገዛ ከምዝኣተወን’ዩ፡፡ መስመር መለስ/ኢህወዴግ መስመር መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ድማ ኣኹሪዑና’ዩ፡፡

እሞ ራእይን ውጡናትን ተጋዳላይ መለስ ብምትግባር ህዳሰ ሃገርና ንምርግጋፅ ኣብ እተካይድዎ ዘለኹም ሓበራዊ ቃልሲ ህወሓት ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ምሳኹም ብፅንዓት ጠጠው ከምእትብል ኣብ መበል 11 ጉባኤኣ ቃላ ብምሕዳስ ተረጋግፅ፡፡

·        ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ

     መስዋእቲ ተጋዳላይ መለስ ምስተሰምዐ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ብዘገርም ድባብ ከምዝገለፀ ዝዝከር’ዩ፡፡ እዚ ሓዘን’ዚ መስመር መለስ-ኢህወዴግ በብደረጅኡ ንዝርከብ ህዝቢ ተጠቃሚ ልምዓት ከምዝገበሮ መግለፂ ምስክርነት’ዩ፡፡ እዚ ኣብ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ከቢድ ሓዘንን ማዕበላዊ ሕራነን መስመር መለስ-ኢህወዴግ ፍቕሪ ህዝብን ሓድነት ህዝብን ከምዝፈጠረን እቲ መስመር ናይ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑን ዘረጋገፀ’ዩ፡፡

     እሞ ራእይን ውጥናትን ተጋዳላይ መለስ ብምትግባር ህዳሰ ሃገርና ንምርግጋፅ ኣብ ተካይዶ ዘለኻ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ምሳኻ ሓድነቱ ኣስጢሙ ከምዝረባረብ የረጋግፅ፡፡       

·        ዝኸበርኩም ደገፍትን ፈተውትን ቃልስና ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን

     ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐን ኣብ ዙርያ መስመር መለስ - ህወሓት ዓሲሉን ድኽነት ምቕባር ቀንዲ ውራዩ ገይሩ ቀትሪ ምስ ለይቲ ኣብ ምርብራብ ይርከብ፡፡

     ስለዚ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን እትርከቡ ደገፍትን ፈተውትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ወሳኒ ርብርብ’ዚ ኢድካ ምሕዋስ ታሪኻዊ ዕድሎት ምዃኑ ፈሊጥኩም ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፍኩም እጃምኩም ክተበርክቱ መበል 11 ጉባኤ ህወሓት ይፅውዕ፡፡

 

§  ምስ ህወሓት ጉዕዞና ብሩህ’ዩ!

§  ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ብዓወት ክዛዘም’ዩ!

§  ሕድሪ መለስን ካልኦት ስውኣትናን ኣይነዕብርን!

 

 

12 መጋቢት 2005 ዓ/ም

                                                          መቐለ

 

 

 

 

Print